View in:
English
ብዛዕባና

Cana Creative Travel & Tours ናብ ኤርትራ ከምኡውን ኢትዮጵያ፣ ዝግበር በረራ ከምኡ ድማ ንግደት ናብ ቅዱሳት ቦታታትን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ከምኡውን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕዝግበር ምብጻሓትን ናይ ምድላው ፍሉይ ብቕዓት ዘለዎ እዩ። ሕውነታውነት ዘለወንን ተሓጋገዝቲ ዝኾናን ጉጅለታትና ምብጻሓት ኣብ ምስላጥ ፍሉይ ብቕዓት ዘለወን እየን፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ እትበጽሕዎ ቦታ እኹል ኣፍልጦ ዘለወንን፣ ነቲ ዝሓዝኩምዎ መደብ ካብ ፈለማ ክሳብ መወዳእታ ብዝግባእ ዘሳልጣ እየን። ምስ እዚ ድማ፣ ንሕና ነቲ ዝሓዝኩምዎ ጸዕነት ብ ተመጣጣኒ ዋጋ፡ ኣብ ሰዓቱ ውሑስ ብዝኾነ ኣገባብ ናይ ምብጻሕ ኣገልግሎት ንህብ። ንሕና ናይ ኣየርን ናይ ባሕርን ጽዕነት ዝምልከት ነቲ ናትኩም ድሌት ከማልእ ዝኽእል ኣማራጺታት ቀሪብና ኣለና። ንሕና ነቲ ናትኩም ናይ መርከብ ጉዕዞ ቀሊል ክኸውን ከምኡውን ዘዋጽእ ክኸውን ኢና ንጽዕር። ንሕና በቲ ንዓማዊልና ነርእዮ ክንክንን ኣብ ነፍሲወከፍ ጽዕነትነርእዮ ውልቃዊ ትኹረትን መለለይና እዩ።
ንሕና ኣብ ትሕቲ TICO (Travel Industry Council of Ontario) ፍቓድ ዝተዋህበና ሙሉእ-ኣገልግሎት እንህብ ናይ ጉዕዞ ወኪል ኢና። ንስኻ ትጓዓዘሉ ዘለኻ ምኽንያት ንምዝንጋዕ ይኹን ንቢዝነስ፣ ናይ በረራ ቦታ፣ ሆቴል ንምትሓዝ ከምኡ ውን ናይ መኪና ክራይ ከምኡ ውን ናይ ጉዕዞ ፓኬጅ፣ ክሩዝን ተወሳኽን ብዝምልከት ሓገዝ ምስ እትደሊ፣ Cana Creative Travel & Tours ክሕግዘካ ይኽእል። ንሕና ምስ ኩለን ናይ ዓለምለኻዊ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ትካላት ብሓባር ንሰርሕ ከምኡውን ብሉጽ ዝኾነ ተወዳዳሪ ናብ ኩሉ ዓለም ዝግበር ምብጻሓት ነቕርብ። ብተወሳኺ ንሕና መእተውን መውጽእንመንገድታት ናብ ናይ ጉዕዞ ኢንሹራንስ፣ ንርድኦም ኢና ከምኡውን ነቲ ናትካ ናይ ጉዕዞ ድሌት ከማልእ ዝኽእል ፖሊሲ ከነራኽበካ ንኽእል ኢና። ዕላማና ንጹር እዩ፣ ንሂወትካ ከማዕብል ዝኽእሉ ናይ ጉዕዞ መዘከርታታት ምቕራብ እዩ። ስለዚ ናብ ቤት ጽሕፈትና ብጻሕ፣ ሎሚ ደውለልና ወይ ኢሜይል ልኣኸልና፣ ካብኡ ነቶም ሕልምታትካ ናብ ጋህዲ ንምልዋጥ ንጅምር።
ናትና ጉጅለ፥
ፍረወይኒ በላይ ጊለ፥ ንልዕሊ 25 ዓመታት፣ ኣነ ንኣማኢት ዓማዊል ንዝተፈላለዩ ናይ ጉዕዞ ድልየታቶም ንምምላእ ሓገዝ ዝገበርኩ እየ። ኣነ ብሉጽ ዝኾነ ኣገልግሎት ስለዘቕረብኩ ከምኡውን ነፍሲወከፍ ናይ ዕረፍቲ ጉዕዞ ብቐሊሉ ክርከብ ዘይክእል ውልቃዊ ስምዒት ብምትእትታው ዘይርሳዕ ተሞክሮ ንኽህልዎ ስለዝገበርኩ ኩርዓት ይስመዓኒ። ጽቡቕ ዝኾነ ዋጋ ንምሃብ ኩሎም ኣማራጺታት ብምቕራብ፣ እቶም ብሉጻት ድሌታትካ ኣብ ልበይ እየ ዘቐምጦም። ንዓይ ኣብ ናይ ጉዕዞ ወኪል ምስራሕ እቲ ዝበለጸ ደስ ዝብል ነገር እንተሃልዩ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ምስ ዓማዊል ዝፈጠርክዎ ምሕዝነት ከምኡውን ብዛዕባ’ቶም ኣነ ዝሓገዝክዎም መዘከርታታት ክዛረቡ ምስማዕ እዩ።
ሳማንታ ኦወን፥ ምስ ኣፍሪቃ ዘለኒ ናይ ነዊሕ ዕድመ ፍቕሪ ቅድሚ 40 ዓመት እዩ ጀሚሩ፣ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ን ኬንያ፣ ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓዊሱ ኣብታ ኣህጉር ካብ ዝርከባ 54 ሃገራት ናብ መብዛሕትአን በጺሐ እየ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፣ ኣነ ለክዕ ከምታ ንፈላማ እዋን ሳፋሪ ዝወጻእኩሉ እዋን ሓርማዝ ንምርኣይ ዝተሃንጠኹሉ ሕጅውን ተማሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘለኒ። እቲ ናይ እንስሳ ዘገዳም ጥራይ ኣይኮነን ንድሕሪት ዝመልሰኒ፣ እቶም ተቐበልቲ ጋሻ ዝኾኑ ሰባት ከምኡውን እቲ ዝተፈላለየ ባህልታቶም ምምሃር ነቲ ናተይ ሂወት ንዕምብብ ይገብሮ። ኣነ ናይ ኣፍሪቃ ሃብትታት ንኽትድህስስን ንዘንትእለት ዝጸንሑ መዘከርታታት ንኽህልውኻ ንምግባር ክሕግዘካ እደሊ። ነቲ ናትካ ድሌትን ጠለብን ዘማልእ ግላዊ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ውጥን ንምንዳፍ ክሕግዘካ ፍቐደለይ።
ሕድሩ ባርናባስ፥ ናተይ ታሪኽ ድሕረባይታ ሜካኒካል ኢንጂነሪንግ እኳ እንተኾነ፣ ናይ ዓማዊለይ ናይ ጉዕዞ ሕልሞም ንኽጭብጡ ንምሕጋዝ ብምኽኣለይ ሕጉስ እየ። ኣነ ኣብ ዝገበርክዎም ጉዕዞታት ብብዝሒ እስራኤል፣ ዱባይ ከምኡውን ሱዳን በጺሐየን እየ፣ እንተኾነ ካብ ዝበጻሕክዎ ቦታታት እቲ ዝበለጸ ኮይኑ ዝስማዓኒ እቲ ናይ ሃገረይ ኣግራብን ጎቦታት ዝመልኦ ኣቃማምጣ ምድርን ዓደይ ኤርትራ እዩ። ብዛዕባ ትኹረት ብርቱዕ ስምዒት ኣለኒ፣ እዚ ኣነ ከበርክቶ ዝኽእል ናተይ ክእለትን ተውህቦን እዩ፣ ተፈጥሮ ብምዕዛብ፣ ስእሊ ብምስኣል፣ ከምኡ ውን መጽሓፍ ብምንባብ ጊዘይ ምሕላፍ ደስ ይብለኒ። ምድህሳስ፣ ከምኡውን ሓሙሽተ ቋንቋታት (ትግርኛ፣ ኢንግሊሽ፣ እብራይስጥ፣ ኣምሕርኛ፣ ከምኡ ውን ንእሽቶ ዓረብኛ) ስለዝኽእል ድማ ምስቶም ማሕበረሰብ ብቐሊሉ ክረዳዳእን ክርከቡ ዘይክእሉ ፍሉያት ቦታታት ንምርካብ እውን የኽእለኒ እዩ። ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ ውጥንካ ከምኡውን ናይ ውልቅኻ ናይ ጉዕዞ መዘከርታ ከመይ ክትፈጥር ከምእትኽእል ክሕግዘካ ዝኽእለሉ መንገዲ ንምርኣይ ምሳኻ ንምዝርራብ ተሃንጥየ ኣለኹ። ንምዝኽኻር ዝኣክል፣ ናተይ ሕልሚ ኣብ እስራኢል ዘሎ ቅዱስ ቦታ ምብጻሕ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኢየሩሳሌም።
ሎሚ ኣብዚ ዝስዕብ ደውሉልና፥
416-249-0972 ቤት-ጽሕፈት
647-457-0972 Freweini
647-231-0067 Samantha
647-885-9844 Hidru
Cana Creative Travel በ ኣምሓርኛ
Cana Creative Travel ብ ትግርኛ